By Tsegazeab
ኣብ ድሕረ ባይታ ሥልጣነን መንነትን ተመርኲሱ ”ሃፍቲ ትግራይ ሰብ እዩ፤” ብዝብል መሰረታዊነት ንኩላትና ዘረዳድእ ግሁድ ሓቂን መትከልን እዩ።ሃፍቲ ድማ ዓቕምን ኩለ መዳይ ፍልጠትን ትግራዋይ ዘካተተ እዩ።እዞም ዓቕምታት ድማ ብከመይ እዮም ናብ ባይታ ዝወርዱ? ብምንታይ እዮም ኸ ዝግለጹ? ዝብሉ መሰረታዊ ነጥብታት እንትነልዕል #ትካል ዝብል ሓደ መጉዓዚ መንገዲና ዝኸውን ፈውሲ ትግራይ ንረክብ።
እታ ናይ ጽባሕ እንብህጋ:እሞ ድማ ብውሽጢ ጥንኩር ፍትሕን ርትዕን ዝነገሰላ:ብደገ ድማ ዘይትድፈር ተብሃጊት ትግራይ ንምግሃድ ኣብ መሰረታዊነት ዓቕሚ ህዝባ ተሰሪቶም ዝተሃነጹ ትካላት የድልዩዋ።መድሕን ትግራይ #ትካላታ እዮም።ኣብዙይ ሐዚ ትግራይ ብኩሉ ፈተናን ጸገምን ገጢሙዋ ሓሚማ ትርከብ፤በዙይ እውን መላእ ዓቕምታት ህዝቢ ትግራይ(ሃፍቲ ማለት እዩ) ብምጥቃም ንህንጸት ትካላት ኣውዒላ ሕክምና ትጠልብ ኣላ ማለት እዩ።መድሓኒታ ድማ ትካላታ እዮም።ትካል ትምህርቲ፣ትካል ጥዕና፣ትካል ሳይንስን ምርምርን፣ትካል ሚሊተሪ ሳይንስ፣ትካል ስነ ቅመማ፣ትካል ድሕንነትን መረዳእታን፣ትካል ዝተፈላለዩ ኣካዳሚታት ወዘተ…ሓዊሱ ኣብ ከይዲ ውሕስንኣ ዝኾኑ መድሓኒታታ እዮም።
ኣብ ዓቕሚ ህዝባ መሰረት ገይሮም ዝተሃነጹ:ካብኡ ድማ ንከይዲ ጉዕዞ ህላወን ጋህዲ ናጽነትን መንገዲ ዝኾኑ ቁልፊ መድሕናት እዮም።ትካላት!
”ትካላት ትግራይ” ኣብ ሃፍቲ ትግራይ ዝኾነ ”ሰብ” Physically ተደሪኾም ‘Merit Based’ ብዝኾነ መልክዑ እውን Internal ህልውንኦምን ውሕስነኦምን ዘረጋግጽሉ መስርሕ ተፈጢሩሎም ዝህነጹ ይኾኑ። ናይዞም ትካላት ወናኒኦም መላእ ህዝቢ ትግራይ እንትኾን: መጠን ተሳተፍቶም(Contributors) ድማ ኣብ ዓቕሚ፣ፍልጠት፣ልምድን ትግሃትን ተመስሪቱ ዝዋደደሎም ይኸውን።
ዓባይ ትግራይ ኮይና እትህነጽ ዓድና-ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዘሎ መላእ ሃፍቲ ህዝባ ምስ ዓለመ ለኸ ዘሎ ማሕበረሰባ ሓዊሱ ብምጥቃም:ብግብሪ ብትካላታ ኣቢሎም ዝግለጽሉ ስጡም ፕሮጀክታት ሓድነት ተጋሩ እናርኣየት:ውሕስንኣ ድማ ነዞም ትካላት ኩለ መዳይ ዘማእኸሉ ዓርሰ-ምርኮሳዊ(Independently) መስርሓት ሃኒጻ እትጉዓዝ ትኸውን።
ይቕጽል…
(Tsegazeab)
Leave a Reply