ከም ተጋሩ፦ 1.ካበይ ኢና ክንብገስ?(Foundation) 2.ከመይ ኢና ክንጓዓዝ? (Institutionalization) 3.ኣበይ ንምብጻሕ?(Aspiration) … 1.ካበይ ኢና ክንብገስ?

ትግራይ ካብ ጥንተ ሥልጣነ ጀሚራ ማለት እውን ካብ መስዋዕተ-ኦሪት ክሳብ ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ብብርኪ ሥልጣነ፣ብሥርዓተ ፍልስፍና፣ ብመጻሕፍተ ምርምር፣ብቅመማ ስነ እጽዋት፣…ወዘተ ብሓፈሻ ኣዝዮም ብዙሓት ውጽኢታት ናይ ዘበናት ስራሕቲ ተሃኒጾምን ተሰሪሖምን እዩ።እዚኦም ድማ ብፍላይ ካብ መሰረቶም ካብ ካልእ ህዝብን ዓድን ንምንታይ ብዝተፈለየ መልክዑ ኣብ ትግራይ ብተጋሩ እሞ ድማ ካብ መንግስቲ ደኣማት ጀሚሩ ቀጺሉ እውን ርኡይ መንግስቲ ኣክሱም ኢሉ’ውን በቢእዋኑ ዝበለጸ እናማዕበለ ዝኸደ ኣብ ንቕሓት(Consciousness) ዝተመስረተ ሥልጣነ ክረኣይ ክኢሉ? ትግራይ እንታይ ስለዘለዋ እያ? ኢልና እንተተበጊስና ”ሃፍተ-ሰብእ” ወይ ድማ ናይ ሰብ ሃፍቲ ስለዘለዋ እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ንበጽሕ።ስለዚ መበገሲና ሰብ ይኸውን ማለት እዩ።Yuval Noah ዝተብሃለ ናይ ደቂ ሰባት ከይዲ ዕብየት ብምጽናዕ ኣብ ዝጸሓፎ ”HomoDeus” ኣብ ዝብል መጽሓፉ ”Every Society Matters by its level of Consciousness.” ብዝብል ይገልጾ።ናይ ሕድሕድ ማሕበረሰብ ከይዲ ዕብየቱ ይኹን ሕሉፍ ጉዕዞ ድሕረ ባይትኡ ኣብ ብርኪ ንቕሓተ ሕልንኡ ይምስረት።ብምባል የቐምጦ።በዙይ ምኽንያት እውን ናይ ትግራይ ሃፍቲታትን ከይዲ ጉዕዞ መንነታዊ ምዕባለታትን መሰረቶም ”ንቕሓተ-ሕልና” ብዝብል ምቕማጥ ይከኣል።እዙይ ንቕሓተ ሕልና ድማ ዋንነቱ በቲ በዓል ዋና ህዝቢ ዝኾነ ኣብ ”ማሕበረሰባዊ ንቕሓት” ዝምስረት እዩ።ማሕበረሰብ ድማ ወናኒ ሥልጣነን ታሪኽን ብምዃኑ ህዝቢ ስለዝኸውን ሃፍቲ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ(ተጋሩ) ማለት እዩ።ስለዚ መበገሲና ሰብ ይኸውን።ሃፍቲ ትግራይ ሰባ እዩ።#ሰብ ኣለዋ! እዙይ ድማ ብዋናነት Homogeneous ስለዝኾነ ቅርሕንቲ ድልየታት(Conflict of Interest) ዘይብሉ ውጹእ ህዝቢ ምስቲ ምዃኑ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ናይ ሓባር ራኢ፣ዕላማን ባህግን ዘለዎ:ዋላ ሓንቲ ተጻብኦ ዘይብሉ ምስቲ ምዃኑ መሰረታዊ ዝኾነ ሃፍቲ ተብሂሉ ዝግለጽ እዩ። ካበይ ኢና ንብገስ? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሓባር ባህጊ ዘለዎ፤መሰረታዊ ዝኾነ ውጹእ ሓድነታዊ መንነት ዝወነነ ህዝቢ ምስቲ ምዃኑ መበገሲና ህዝቢ ይኸውን ማለት እዩ።ባዕሉ ንባዕሉ ዘይጻባእ ሕልሚ ዘለዎ ህዝቢ ድማ መበገሲ(Foundation) ናይ ቀጻሊ ጉዕዝኡ እምነ ኩርናዕ ከም ምቕማጥ ይኸውን። ስለዚ መበገሲ ትግራይ ተጋሩ እዮም። .. 2.ከም ተጋሩ ከመይ ንጓዓዝ? #ትካላውነት፦ ይቕፅል… (Tsegazeab)

Leave a Reply

%d bloggers like this: