By Girmay Yihdego
ኣብ ካልኣይ ክፋል ኣብ ትሕቲ ስእነት ኣማታይ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት ዝብል ርእሲ ፖለቲካዊ ኢትዮዽያ ዝቖመሎም ዓንድታት ዝብል ንኡስ ርእሲ ብምምዛዝ ሃገራዊ ፖለቲካ ንምርኣይ ፈቲነ ኔረ:: ኣብዚ ምስ ስልጣን ተኣሳሰረ ረብሓ … ምስ መንነት ኣምሓራ፣ ረግረግ ሃፀያዊ ቢሮክራሲ፣ ሃይማኖታዊ ክድምና፣ ህላወ ናይ ብዙሓት ፖርቲታት ብመንፅር ኣመተን ስትራቴጅያዊ መሪሕነትን ንምርኣይ ፈቲና ኔርና:: ቅድሚ ናብ ሃገራዊ ኢኮኖሚያዊ ጉዳያት ምእታውና ፖለቲካ ኢትዮዽያ ዝተመስረተሎም ክልተ ዓንድታት ክውስኽ:: ሻድሻይ ዓንዲ ፖለቲካ ኢትዮዽያ ሞግዚትነት ዝዓሰሎ ስርዓት ምዃኑ እዩ:: ክቕድም ምስ እንግሊዝ ክድሕር ምስ ኣሜርካን ምስ ራሽያን ሕዚ ድማ ምስ ቱርኪ ቻይና ሕቡራት መንግስታት ዓረብ ሳውዲ ዓረብያን ኤርትራን ወታደራዊ ሽርክና ብምፍጣር ንናይ ውሽጢ ተቓውሞ ንምጉዕፃፅ ዝተለምደ ጨፍጫፍ ተካይድ ግን ብሽም ነፃነት እናማሓለት ትነብር ነውራም ዓዲ ምዃና እቲ ካሊእ መግለፂ ፖለቲካ ኢትዮዽያ እዩ:: እዚ ከምዙይ ዝበለ ሞግዚታዊ ሓይሊ ክዘብጠካ ክልዓል ከሎ እንታይ ዝባሃል መሸንቦባ ካብቶም ኣሕልቑቱን መሻርኽቱን ሒዙ ከምዝብገስ ምግማቱ ከቢድ ኣይኮነን:: ኣብ ሕሉፍ ናይ ልቓሕ ሚሳይል፣ ታንኪ፣ ነፈርቲ ኩናት፣ ቁምቡላታት፣ ፃዕዳ ፎስፎረስ፣ ኮታስ ኩሎም ናይ ጥፍኣት ቴክኖሎጂታት ተጠቒሞም ንሕዝብና ከብርሱ ዘይሕለል ፃዕሪ ገይሮም ምንባሮም ይዝከር:: ሎሚ ድማ እዚ ካብ ፀላእትናን መሻርክቶምን ዝመፅእ ናይ ጥፍኣት ውሕጅ ብድሮን ከብርሰና ከምዝፍትን ዘይእመት ሚስጥር ረቂቕ እዩ ኔሩ ዝባሃል ኣይኮነን:: እዚ ከምዚ ዝበለ ሞግዚታዊ ሓይሊ ዓርሰ እምነት ስለዘየብሉ ኣዝዩ ፈራሕን ጨካንን እዩ:: ብተውሳኺ ወይ መፀግዒ ዓለማዊ ጎይታ ይደሊ ወይ ብህዝበኝነት ተጎልቢቡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ይሽጎጥሞ ንፅልኢ ይኹን ንሰላም ዘይጥዕም ፖለቲካዊ ቅልውላው ከም ዝፈጥር ኣሚትካ ሒዝዎ ንዝመፅእ መደራጉሕ ዝምጥን ስትራቴጂ ምሕንፃፅ’ውን ዘድሊ ይመለኒ:: እቲ ሻውዓይ ዓንዲ ፖለቲካ ኢትዮዽያ ምስ በሪ ቀይሕ ባሕሪ ተኣሳሰረ ምዃኑ እዩ:: ምኒሊክ ንተጋሩ ኣብ ክልተ ክመቅል ዘበገሶ ሽርሒ ንኤርትራ ናብ ግዝኣት ጣልያን ዝደፍአ ኣጋጣሚ ፈጢሩ:: ናይ ጁብቲ ገዲፍና ጉዳይ ኤርትራ ጥራሕ ተወሲድና ብኢድ ምኒሊክን ጣልያንን ዝተፈጠረት ኤርትራ … ካብ ጥልያን ናብ ፌደረሽን … ካብ ፈደሬሽን ዳግማይ ናብ ኢትዮዽያ … ካብ ኢትዮዽያ ናብ ነፃ ሃገር ኤርትራ … ካብ ነፃ ሃገር ኤርትራ ናብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ … ካብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ናብ ደውታ … ካብ ደውታ ናብ ሕፅቦ ወያነ … ካብ ወፍሪ ሕፅቦ ናብ ኲናት ፅምዶን ወራርን ትግራይ ተገብረ ጉዕዞ ሪኢኻ ፖለቲካ ኢትዮዽያ ክንደየናይ ከምዝገላበጥ ትርዳእ:: እዚ ሕዱር ሽርሒ ምኒሊክ … ወያነ ንኤርትራ ክትግንፀል ጌሩ ክሳድና ቆሪፁ መተንፈሲ ባሕሪ ኣስኢኑና ዝብል ዓሙቕ ቂም ኣምሓራን ሳዓብቶምን … ተገላባጣይ ባህሪ ፖለቲካ ኢትዮዽያ … ዝፍለጥ ተበላፃይነትን ሕዱር ቂምን ሻዕቢያ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ልፍንታዊ ወራር ኣምሓራ፣ ኤርትራን ኢትዮዽያን ዘይግመት ኣይነበረን ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕንት ኣብ ቦትኡ ተዝነብር ኔሩ ኢለ ጉዳይ ሃገራዊ ፖለቲካ ቅድሚ ምዝዛመይ “ክልተ ዝፋትሓ ሃገራት ምስዝህልዋ በሪ ባሕሪ ምርካብ ዓለምለኻዊ መሰል ምዃኑ ከዘኻኽርን ብሽርሒ ምኒሊክ ኣብ ክልተ ተገምዐ ትግራዋይ ናብ ንቡር ዝምድንኡ ክምለስ ዝደሊ ተኾይኑ ዳግማይ ድምፁ ክስማዕ ዕድል ክወሃቦን ይግባእ” እብል!!! ሃገራዊ ኢኮኖሚ ኢትዮዽያ ዝቖሞሎም ዓንድታት ኣብ ሓሙሽተ ከፊልካ ምርኣይ ዝክኣል ይመስለኒ:: እቲ ቀዳማይ ዓንዲ ኣብ ስሑትን ድሑርን ባህላዊ ዕዳጋ ዝቖመ ኢኮኖሚ ምዃኑ እዩ:: እቲ ኢኮኖሚያዊ ፖሊሲ ንባዕሉ ንዕዳጋ ዓለም ዝውዕል “ትርፊ” ምህርቲ ምፍራይ ኢሉ ኣብ ክንዲ ዝብገስ “ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል” ኣብ ዝብል ተደረኸ እዩ ኔሩ:: እዚ ድማ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ኢኮኖሚ ክፍጠርን ኣብ ብቱን ካብ ዕዳጋ ሰኑይ ክሳብ ዕዳጋ ቀዳም ኣብ ዝተዘርግሑ ድሑራት ናይ ዕዳጋ ማእኸላት ሕሩኽሩኽ ዝብል ኢኮኖሚ ክኾን ገይርዎ:: በዚ’ውን ናፍቲ ኣብ ናይ ወፃኢ ልቓሕ ዝተኣልከ ኢኮኖሚ ዝብል ዓንዲ ክንሰግር::
ናብ ወፃእ ዕዳጋ ዝቐርብ ትርፊ ፍርያት ከፍሪ ዘይወፈረ ኢኮኖሚ ኢትዮዽያ ክሳብ ክሳዱ ኣብ ናይ ወፃእ ዓድታት ልቓሕ ተዋሒጡ ብዝረኸቦ ገንዘብ ከም ቴሌ፣ ሓይሊ ፃኣት (ኤለክትሪክ)፣ መገዲ ባቡር፣ ኣስፋልት፣ ትካላት ጥዕናን ትካላት ትምህርትን ዘርጊሑ እዩ:: ይኹን’ምበር እዞም ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን መሰረተ ልምዓታት ፃማ ኢንቨስትመንት ክኸፍሉ ኣብ ዝጀመርሉ ሰዓት ኩናት ብምውልዑ እቲ ኢኮኖሚ ዕድኡ ክኸፍለሉ ዝኽእል ዕድል ተሓሺሹ እታ ዓዲ ናብ ሰላሕታ ባዕዳዊ ግዝኣት ትኣቱ ኣላ (ዘውፀአቶ ጋዝን ነዳዲ ብሽም መኽፈሊ ዕዳ ንቻይና ይሕምበብ ኣሎ:: ፅባሕ ድማ ግድብ ህዳሰ ብቻይናን ብውድብ ገንዘብ ዓለምን ክሕረጅ እዩ ከም ቴሌኮም፣ መንገዲ ኣየር፣ ፋብሪካታት ሽኮር፣ ሓይሊ መብራህቲ፣ ባድመን ኣልፋጂጋን ማለተይ እየ):: ሰፊሕ ሃገራዊ ምህዞ ዝጎሰየ ኢኮኖሚ ምኳኑ ድማ ሳልሳይ ዓንዲ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ኢትዮዽያ ጌርካ ምውሳድ ይክኣል:: እቲ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ብውልቀ ሃንደስትን መራሕትን በትሓደ ወገን ብኣብዛሓ ፈፀምቲ ስራሕን ተኣዘዝትን በቲ ካልእ ወገን ዝናበ ስለዝኾነ ኣብ ኣዝዩ መሬት ዝዘበጠ ናይ ምህዞን ናይ ፈጠራን ዓውዲ ተሸኽለ እዩ:: እዚ ድማ እቲ ኢኮኖሚ ኣብ ክንዲ ሓደሽቲ ስራሕቲ ዝፈጥር ሓደሽቲ በላዕትን ደለይቲ ስራሕን ዝፍልፍል ኮይኑ ምስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዝቕባበ ተሓዊሱ ብጥምየት ዝሕለጉ ሚልዮናት ዜጋታት ዝሓቖፈ ምድራዊ ሲኦል ክባሃል ዝኽእል እዩ:: እቲ ራብዓይ ኢኮኖሚያዊ ዓንዲ ዋንነት ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ኣብ ንፁር ስርዓት ዘይምቋሙ እዩ:: ኣብ ገለ ክፋል ታሃገር ዋንነት መሬትን ተፈጥሮኣዊ ሃፍትን ኣብ ውልቀ ዋንነት መራሕቲ ዓሌታት ዝኾነሉ (ዓፋር፣ ሶማል፣ ቤንች ማጂ) ኣብ መብዛሕቱኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ዋንነት መንግስቲ ዝኾነሉ … ኣብ ውሱን ከባቢ ድማ ኣብ ትሕቲ ዋንነት ባይቶ (local community) ዝኾነሉን ንተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሽኩታት ባይታ ዝፈጠረን ምዃኑ እዩ:: መሬት ከም ሓደ ሃፍቲ ተፈጥሮ መሰረት ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ምኳኑ ቀርዩስ መጠረሪ ፖለቲካዊን ርእዮተ ዓለማዊን ቅዋም ዝኾነሉ ስርዓት ኢህወዴግ መሬት ምስ ፖለቲካ ተለዊሳ ፍልፍል ዘይሞራላዊ ሃፍትን ግዕዝይናን ክራይ ኣካብነትን ብምዃን ንቲ ስርዓት ክብስብስን ክገማማዕን ናይ ባዕላ ተራ ዝተፃወተት ምዃና ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ:: እቲ ሓምሻይ ዓንዲ ኢኮኖሚ ኢትዮዽያ ኣብ መሬትን ጉልበትን ጠመተ ዝገበረ ምንባሩ እዩ:: ድሕሪ ግዘ ብዝተገብረ ለወባ ማይ’ውን ኣካል እቲ ጠመተ ክትኮን ኪኢላ እያ:: ኣብ መወዳእታ ድማ ኢንዱስትሪ ፓርክን ክፍሊ ግልጋሎትን ንቕድሚት ዝመፃሉ መስርሕ ዝናኣድ ኮይኑ ልዕሊ ኩሉ ግን ናይ ሓመድን ማይ ዕቀባን መደባት ምስ መደብ ዳግመ ግረባ ሓዊስካ ከም ብሉፃት ተሞኩሮ ዝውሰዱ ኣካል እቲ ውዱቕ ኢኮኖሚ እዮም:: ክጠቓለል ከሎ ኣማትን ስትራቴጅያውን መሪሒነት ኣብ ቦትኡ ምስዝህሉ ኣብ ኢትዮዽያ ምንም ዝባሃግ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ይኹን ንማሃረሉ ኢኮኖሚያዊ ምህሮ (lesson) ከምዘየለ … ካብዚ ሃገራዊ ኢኮኖሚ እዙይ ንሰንቆን ንማለኦን ንምነዮን ኢኮኖሚያዊ ተሞኩሮ ከምዘየለ እኳ ድኣስ ንኹሉ ምልኣተ ትግራዋይ ዘሳትፍ ኣብ ትግራዋይ ምህዞን ሓድሽ ሓሳብን ዝተደረኸ ኢኮኖሚያዊ ሽኻል ክተክል ትፅቢትና ዝዓዘዘ እዩ:: ኣብ ቀፃሊ ብሃገራዊ ማሕበራዊ ዛዕባ ንራኸብ የቐንየለይ::

Leave a Reply