By Girmay Yihdego
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ካፍቲ ቁልፊ ፀገም ትግራይ ስእነት ኣማቲ ስትራቴጂክ መሪሕነት ኣብ ትሕቲ ዝብል ቀዳማይ ዓለማዊ መነፅርና እንታይ ይመስል ዝብል ክርኢ ምፍታነይ ይዝከር። እቲ ቀንዲ ዓለማዊ ዓውዲ ጥምጥም’ውን ኣብ ማእኸል ምእኹልን ዘይተማእኸለን ፋይናንሳዊ ስርዓት ኣብ ማእኸል ዘቤታውን ድጅታላዊ ናይ ዕዳጋ ስርዓት ምኳኑ ንምሕባር ፈቲነ ኔረ። ኣብዚ ዓለማዊ መዳይ ክልተ ናይ ጥምጥም ዓውድታት ክውስኽ “ቀፃሊ ኣንፈት” ንምሕንፃፅ ስለዝጠቕሙና። ሳልሳይ ዓውዲ ጥምጥም ኣብ መንጎ “ሃላኽን ዘይነፅፍ ተሓዳሲ ፍልፍል ሓይሊ ፀኣት (ኤለክትሪክ)” ዘሎ ጎንፂ እዩ:: እዚ ዓውዲ ጥምጥም እዙይ ምስዝፈጥሮ ከባብያዊ ብኽለት ተታሓሒዙ ብዙሓት ዘመናዊ ኢንዱስትሪታት ናብ ምብራቕ ኤሽያን ኣፍሪካን ክስደዳ ዝገበረ ከቢድ ናይ ማሕበራውን ቀረፅ ካርቦን (carbon credit) ፀቕጢ ዝፈጠረ ምኳኑ ኣለሊኻ ኣፍቲ ንህዝብኻን ምስ ዓለም ክትቀራረብ ዝጠቕመካን ዓውዲ “ማእኸል ፀኣትካ” ክትሃንፅ ዘኽእል ኣማቲ ስትራቴጂ ምስዓብ ካብ ፀልማት ክትናገፍን መሰረት ነፃ ኢኮኖሚኻ ክተንፅፍን’ውን ይጠቅም:: እታ ራብዐይትን ናይ መወዳእታን ዓውዲ ጥምጥም ኣብ መንጎ ግልጋሎት ከተማን ገጠርን (the center & the periphery) ዘሎ ጎንፂ እዩ። ኣብዙይ ንሶም ከተማ ዝብልዎ ብዝሕ ዝበለ ተጠቃሚ ኣብ ሓደ ማእኸል ዝሰፈረሉን ብመንገዲ ኣስፋልት፣ ባቡር፣ ነፋሪትን ባሕሪን ዝተኣሳሰረ ናይ ስልክን ኢንተርኔትን ሓይሊ መብራህትን ካልኦት ፋይናንሳውን መዐረፊ ሆቴላትን ዘማልአ ማእኸል እዩ። ቀንዲ ጠመተ ዕዳገኦም ድማ ይገብርዎ። እቲ ገጠር ወይ ድማ ንዮ ኣስፋልት መንገዲ ዘሎ ኣብዛሓ ህዝቢ ካብ ጠመተን ድልየትን እዞም ዓለማዊ ሃንጎሪማታት (global sharks) ወፃእ ምኳኑ ኣለሊኻ ዓለማዊ መወዳደሪ ዓውድኻ ምንፃር የድሊ እናበልኩ እዚ “ዓለማዊ መነፅርን ኣማቲ ስትራቴጂያዊ መሪሕነትን” ዝብል ንኡስ ርእሲ ክዛዝም:: ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነትን ሃገራዊ መነፅርን ኣብ ትሕቲ እዚ ንኡስ ርእሲ እዙይ ፖለቲካ … ኢኮኖሚ … ማሕበራዊን ወፃኢ ጉዳያት ኢትዮዽያን ከመይ ክንርእዮን ክንእምቶን ነይሩና ዝብል ጎኑ ጥራሕ ንምትንካፍ ክፍትን እየ።
ፖለቲካ ኢትዮዽያ ብቐንዱ ብሓሙሽተ ተፃባእቲ ድልየታት (ዓንድታት) ደው ዝበለ እዩ ክባሃል ይክኣል። እቲ ቀዳማይን ቀንድን ዓንዲ ስልጣን ንረብሓ ሰብ መዚ’ዶ ይውዓልስ ንረብሓ ህዝቢ ወይ ንኽልቲኦም ካብ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝፍልፍል ኮይኑ ቀንዲ መናቖትን ምንጪ ጎንፅን ኮይኑ ዝነበረ፣ ዘሎን ዝቕፅልን ሓደ ፖለቲካዊ ሰረት እዩ:: በዚ መዳይ እዙይ ስርዓት ኢህወዴግ “ህዝቢ ብብርኩ ዝርበሐሉ ምዕባለ” ዝብል ንፁር ፖሊሲ ኣቐሚጡ ምንባሩ ይዝከር። ነዚ ከሳልጥ ዝተሰየመ ቢሮክራሲያዊ መሓውር ግና ናይታ ዝሰየሐት መስፍናዊት ኢትዮዽያ ኣካል ስለዝነበረ ብዙሕ ዝሰጎመ ኣይነበረን። እቲ ካብ በረኻታት ትግራይ ሓዊ ሓዊ እናጨነወ ዝመፀ ህዝባዊ ሓይሊ ድሕሪ ናይ ዓሰርታት ዓመታት ፋሕጠርጠር ኣብዚ ንኣማኢት ዓመታት ሱር ዝሰደደን ዝጨነወን ረግረግ “ድሑር መስፍናዊ” ብሮክራሲ ክጥሕል ክኢሉ እዩ። ናይዚ ድሕረት እዙይ ውላድ ዝኾነ ሓይሊ ናብ ስልጣን ክወፅእ ከሎ ክዓ እቲ ህዝባዊ ሓይሊ ብዙሕ ነገሩ ተመንጢሉ ዘይምሱል መሲሉ ተዓያይኑ ግን ኢዱ ንዘይምሃብ ነብሰይ ኣውፅእኒ ኢሉ ናብታ ቃልሲ ዝጀመረላ ትግራይ (ከተማን በረኻን) ምምላሱ ይዝከር:: ኣብዚ ሽኩት እዙይ ትግራዋይ ኮይኑ “ህዝባዊ ዕላምኡ” ጠቕሊሉ ረሲዑ ኣብዚ ረግረግ ድሕረት እዙይ ጥሒሉ ዝቐረየ ምስትርኢ ንቲ ዋላ ገለ ዝተዓያየኖ ነገር ይሃሉ “ካብ ተሓፂብካ ናብ ጭቃ ምእታው” ሞት ይሕሽ ኢሉ ናብ ህዝቡ ንተፀመረ ኣካል ልዑል ክብሪ ዝግበኦ ይመስለኒ:: እዚ መነፅር እዙይ ብሱልን … ብፍርቂ ዝበሰለን … ጥረን ንምፍላይ’ውን ዝሕግዝ እዩ:: ብቐንዱ ግን ህወሓት ዝመርሖ ኢህወዴግ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ንዚ ተማእኸለ ረግረግ ድሕረት ኣብ ምፍራስ እዙይ እዩ ዝባሃል ተጋድሎ ኣይገበረን! እኳ ድኣስ ብገንዘብን ብቴክኖሎጅን ዝያዳ ክግብል እዩ ገይርዎ። መወዳእቱ ክዓ ንባዕሉ ተገልቢጡ ውሒጥዎ። ኣማቲ ስትራቴጅያዊ ኣመራርሓ ብዝናኣሰ እዚኣ ገምጊሙ ኣብ ትግራይ ዝወስዶም ስጉምትታት ብግልባጡ ክኾኑ ይግባእ ኔሩ እብል። ብዝናኣሰ ኪሳራ መሊኡ ከይወሓጥ ዝገብር ስትራቴጂ!!!
እቲ ካልኣይ ዓንዲ ፖለቲካ ኢትዮዽያ ምስ መንነት ህዝቢ ኣምሓራ ዝታኣሳሰር ምኳኑ እዩ። ኣብዚ መዳይ’ውን ፖለቲካ ኢትዮዽያ ኣዝዩ ገዚፍ ሓደጋ ሓዚሉ ዝኸድ ምኳኑ ምርዳእ ይሓትት:: ህዝቢ ኣምሓራ ንባዕሉ ዝምጥን ህዝባዊ መንነት ኣለልዩ ኣብ ክንዲ ዝኹስኩስን ዘማዕብልን ናይ ገዛእቲ ኢትዮዽያ መንነትን ናይ ፅውፅዋይ ታሪኻትን ከም ናይ ባዕሉ ክብርታት ወሲዱ ምስ ህዝብታት ኢትዮዽያ ዝራጋሕ ሕንግድ መንነት ዘማዕበለ ምዃኑ እዩ:: ኣብ ዝመዳይ እዙይ’ውን ብኣዴን/ኢህወዴግ ንቲ ስሑት መንነት ኣሪሙ ህዝቢ ኣምሓራ ህዝባውን ዴሞክራሲያውን መንነት ክላበስ ኣብ ክንዲ ምግባር ኣብ ዓድን ኣብ ደገን ንቲ ስሑት መንነት ዘገንግን ተወደበ ስራሕ ክሰርሕ ድሕሪ ምፅናሕ መንግስታዊ ልዕልነቱ ምስ ኣረጋገፀ ድማ ህዝቢ ኣምሓራ ህዝባውን ዴሞክራስያዊን መንነት ከማዕብል ህይወቶም ሙሉእ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ናብ ምእሳርን ምቕታልን ምእታዉ ይፍለጥ:: ናይ ባዕሉ ኣካል ምብላዕ ዝጀመረ ውላድ ምኒሊክ ውላድ ሃይለስላሰን ደርግን መናሓንሕቲ ስልጣነይን መንነተይን ኢሉ ዝወስዶም ተጋሩ እንታይ ክገብሮም ይኽእል ኢልካ ምእማት ሓደ ነገር ኮይኑ … ካፍቶም ሕብረት (ፌደሬሽን) ዝመስረቱ ኣካላት ሓደ (ኣምሓራ) ወይ ክልተ ኣካላት (ኦሮማራ) ንነብሶም ከም ኢትዮዽያ ጌሮም ዝቖፅርሉ ፖለቲካዊ ስርዓት ብዝኾነ መዐቀኒ ዴሞክራሲያዊ ክኾን ዘይኽእል ምኳኑ ተረዲኢኻ ንዚ ዝምጥን ስትራቴጂ ምሕንፃፅ’ውን ከይረሳዕና ማለት እዩ:: ናይ ገዛእቲ ደርቢ ኣምሓራ መንነት መንነት ህዝቢ ኣምሓራ ኮይኑ ክሳብ ዝቐፀለ እቲ ኽልል … ኣምሓራ ተባሂሉ ይፀዋዕ ሸዋ፣ ወሎ፣ ጎንደር፣ ጎጃም ይብሃል ብዘየገድስ መፈልፈሊ ኣናእሽተይ ምኒሊካትን ማእኸል ምልካዊ ስርዓት ኮይኑ ስለዘገልግል መቦቆል ምንቋት … መበገሲ ዘይዛሪ ህዝባዊ ውግእ (civil war) … መሰረት ዘይዕረቕ ቅርሕንቲ ከምዝኾን ተረደአ ስትራቴጂ ዘድሊ ምኳኑ’ውን ምሕባር ኣገዳሲ ይመስለኒ። ካብ ሓይሊ ትምክሕቲን ኢሊት ኣምሓራን ዝብል ዕንክሊል ንምውፃእ ስለዝሕግዝ!!!
እቲ ሳልሳይ ዓንዲ ፖለቲካ ኢትዮዽያ ምስ ሃይማኖት ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ንመዋእላት ተኣሳሲሩ ዝፀንሐ ምንባሩን ብደፋትር ጎጃም ዝምራሕን ምኳኑ እዩ:: ብፍላይ ሃይማኖት ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ኣብ ምግፋሕን ምፅናዕን ስርዓት ሃፀያዊት ኢትዮዽያ ከም ክንፊ ፕሮፖጋንዳ (ንጉስ ኣይኽሰስ ሰማይ ኣይሕረስ … ስዩመ እግዚኣብሄር ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮዽያ … ድኽነትን ንግስናን ናይ ኣርባዓ መዓልቲ ዕድል እዩ … ዝብሉን ካልኦትን ብምስባኽ) … ካብ ሕገ መንግስቲ ምርቃቕ ክሳብ ንጉሳዊ ዜና መዋእል ምፅብፃብ ዝኸድ ናይ ምምኻር ግልጋሎት (ኣብ መሬት ዘየለ ፅውፅዋይ ታሪኽ ኢትዮዽያ ኣብ ምፍጣርን ምስናድን ናይ ኣምበሳ ግደ ተፃወተ) ንዚ’ውን ርስትን ጉልትን ዝወነነ ሲሶ ፍርያት ገባር ኣብ ምምዝማዝ ተዋፈረ ምንባሩ ይፍለጥ። ልዕልነት ሓደ ሃይማኖት ንምኽባስ ዘኽእል ሃይማኖታዊ ማዕርነት ብሓደ ወገን ምትእስሳር መንግስትን ሃይማኖትን ንምብጣስ ዘኽእል ሓደ ኣብ ጉዳይ ትሓደ ከይኣቱ ብትኻሊእ ወገን ዝደንገገ ሕገ መንግስቲ እኳ እንተነበረ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ጉዳይ ሸሪዓን ኣብ ምውጣጥ ኦርቶዶክስን – ቤንጤን ብተደጋጋሚ ኢዱ ከአቱ ተራእዩ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከዓ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ብዝነበራ ሕሉፍ መንግስታዊ ኢድ ወሪራ ዝሓዘቶ መሬት ኣብ ክንዲ ሕጋዊ ፍታሕ ጌርካ ማዕርነት ሃይማኖት ምርግጋፅ ደርጊ ዝወረሶ መሬት ክምለስ ብምግባር ማዕሪኡ መሬት ድማ ንተን ካልኦት ቤተክርስትያናትን መሳጊድን ብምዕዳል ንተን ኣብያተ ቤተክርስትያናትን መሳጊድን ናብ ናይ መሬት ንግዲ ክኣትዋን ገዛውቲ ከካርያን ኮታስ ካብ መንፈሳዊ ውራይ ናብ ዓለማዊ ውራይ ክትወርድን ተጌሩ እዩ:: ከምዚ ዝበለ ነዃል ተበሊፆም ሃይማኖት መሳርሒ ፖለቲከኦም ክገብሩ ዝተልዓሉ ማሕበረ ቅዱሳን፣ ዋሃቢያን ብልፅግና ጎስፐል ወዘተ ብዝብል ኣስማት ዝፍለጡ ኣካላት ከዓ ካልእ ጎናዊ ውግኣት ዝፈጠረ ስርዓት እዩ ኔሩ ስርዓት ኢህወዴግ:: ናይ ስርዓት ለውጢ ምስተገብረ ሰለስቲኦም ኣካላት ናብ ቤተ መንግስቲ ዝኣተዉሉ ኩነታት ከዓ ተፈጢሩ:: ኣማቲ ስትራቴጂ እዞም ሓይልታት እዚኦም ኣብ ማእኸል ህዝብታት እንታይ ዓይነት ናይ ፅልኢ ሓዊ ክውልዑን ከሳዉሩን ከም ዝኽእሉ ገሚቱ ብልዑ መርከሲ ሜላ ዘቐምጥ እዩ ምባል ይክኣል::

እቲ ራብዓይ ዓንዲ ፖለቲካ ኢትዮዽያ ተኾልፈ ጉዕዞ ምስረታ ሃገረ መንግስቲ ምስቲ ሓድሽ ተጣየሸ ብሄራዊ መንግስታት ዘይቃዶን ትሓደ ንትሓደ ኢዱ ዝሃበ ዘይምዃኑ እዩ:: ኣብዙይ ዘጋጠሙ ፖለቲካዊ ርፅማት ብዙሓት እኳ እንትኾኑ እቶም ቀንዲ … እቲ ተኾልፈ ሃገረ መግስቲ በብዓዱ ዝዘርኦም መጋበርያታቱን ስድተኛታት ኢኮኖሚን ኣፍቶም ሓዱሽቲ ብሄራዊ መንግስቲታት ብዜግነቶም ብማዕረ ዝነብርሉ መስርሕ ዘይምንባሩ፣ 102 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብማዕረ ዝምዕብልሉ ወይ ብማዕረ ንሓደ ተመርፀ ቋንቋ ቦተኦም ዝለቅሉ መስርሕ ዘይተዘርገሐ ምዃኑ፣ ሕሉፋት ዶባት ምስቶም ሓድሽቲ ብሄራዊ ዶባት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ጎንፂ ብዘየልዕል ኣግባብ ዘይምኽንባቱ፣ ኣብ ማእኸል ፌደራላዊ መንግስትን ብሄራዊ መንግስታትን ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ክፍፍል ብንፁር ዘይምቕማጡ፣ ኣብ ማእኸል እቲ ፌደራላዊን ብሄራዊን ናይ ፀጥታ ትካላት ክህሉ ዝግባእ ናይ ሓይሊ ሚዛን ዘይምንፃሩ ወዘተ እቶም ቀንዲ ፍልፍል ቀፃሊ ምጥልላፍን ምጥፋእን ዝኾንሉ ፖለቲካ እዩ ምባል ይክኣል:: ከምዚ ዝበለ ብዕሊ ዘይተኸምበተ ዓዲ ኣብ ርእሴና ከይፈርሰና እንታይ ንግበር ዝብል ስትራቴጂ’ውን ምእማት ይክኣል ይነብር እዩ ኢለ ይኣምን::

እቲ ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ዓንዲ ፖለቲካ ኢትዮዽያ ስልጣን ከም ርስቲ ዝጥምት ብስልጡን ፖለቲካዊ ንሕንሕ ዘይኣምንን ዘይተኻኻእን ምዃኑ እዩ:: ብዓለማዊ ፀቕጢ ተጣየሻ ፖለቲካዊ ፖርቲታት ኣብ ትሕቲ ሽማዊ ናይ ብዙሓት ፖርትታት ስርዓት ንሽማዊ መረፃታት ኣውራ ፖርቲ ከም ዓጀብትን መዳመቕትን ኮይነን ካብ ምግልጋል ዝሓለፈ ተራ ኣይነበረንን:: ቁሩብ ጥንክር ዝበላ ኣብዝመሰሎ ሰዓት ድማ ስርዓት ኢህወዴግ ኣባላት ደህንንት ኣስሪጉ ብምእታው ክብተና ዝገበረን ተናሓናሕቲ ፖለቲካ ውድባት ኣለዋ ዝብሉ እውን ብዙሓት እዮም:: ናይ ኢህወዴግ ሓደ ክንፊ ዝኾነ ውድብ እውን ናብ ትግራይ ንክምለስ ዝገበረ ድሑር ሃሳዪ ኣርኣእያ ስርዓት ብዙሓት ፖርቲታት ዝቕይር ስትራቴጂ ክእምትን ነቲ ሓዱሽ ኩነታት ዝምጥን ሓዱሽ ግንባር ከጣይሽን ትፅቢት ምግባር ባህርያዊ እዩ ኔሩ ብምባል እዚ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ክዛዝም:: ኣብ ቀፃሊ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ዝምልከት ከቕርብ ክፍትን እየ:: የቐንየለይ::
ትግራይ ትስዕር

Leave a Reply