By Girmay Yihdego
ቅድም ክብል ወያነን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ትሕቲ ዝብል ርእሲ ሰለስተ ክፋላት ናብ መንበብቲ ኣቢለ ኔረ። እዚ ናቱ መቐፀልታ ኮይኑ ዳርጋ ዓሰርተ ክፋላት ዘለውዎ እዩ። ፀገማት ትግራይ 1. ስእነት ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት 2. ስእነት ምግቢ፣ መድሓኒት፣ ነዳዲ ሃለቕቲ ሸቐጣት፣ ድኹዒ ዘርኢ ትምህርቲ (ሕፅረት ናይ ሓፂርን ነዊሕን ፅልዋ ዘለዎም መሰረታዊ ጠለባት ሕብረተሰብ) 3. ካብ ካልእ ዓለም ኣካላዊ ተነፅሎን ዕፅዋን 4. ድሑር ስርዓተ ኢኮኖሚያዊ ማእቶት ቀንዲ ወይ ቁልፊ ፀገም ስእነት ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት እዩ። እዚ ተተፈቲሑ ኩሎም በብታራ ይፍትሑ (think of the domino effect)። ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት ታይ ማለት እዩ? እንታይ ክእምትን ክሕንፅፅን ከሎ እዩ’ኸ ኣማቲ መሪሕነት ዝባሃል? ዓለማዊ፣ ሃገራውን … “ብሄራውን” ኩነታትን ገምጊሙ መድረኻዊ ዕማማት ብትኽክል ዝሕንፅፅ መሪሕነት ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት ይባሃል:: ነዚ ከመይ ክግምግሞ ይግባእ ነይሩ? ዝብል ሕቶ ብምምላስ እንታይ ስኢና ከምዘለና ንምርኣይ ክፍትን። ሕዚ ንኣትዎ ዘለና ዓለማዊ ኩነታት ናይ ስነጥበብ ዘመን (emerging wisdom age) ዝባሃል ዘመን እዩ። እዚ መዋእል እዙይ “ሰብ” ማእኸል ኩሉ ምዕባለ ገይሩ ዝወስድ መዋእል እዩ። ቅድሚኡ ዝነበሩ “መሬት” “ኢንዱስትሪ” “ካፒታል” “ኢንፎርሜሽን” ማእኸል ምዕባሊኦም ገይሮም ስልጣኒኦም ዝሃነፁ ሃገራት ብዝገርም ቅልጣፈ ናብ ዓለምለኻዊ ሃላኽ እናተረግረጉን እናተሸምረሩን ዝኸዱሉ መዋል ምኳኑ ምርዳእ ዝኽእል መሪሕነት ምፍጣር ኢና ንብል ዘለና። እቲ ሓደ መዋእል ምስቲ ሓደ መዋእል ኣዝዩ ተኣሳሰረን ዶቡ ንምርዳእ ፅፁይ መፅናዕቲ ዝሓትት ምኳኑ’ውን ከምኡ። ኣብዚ ናይ ስነጥበብ ዘመን እቲ ቀንዲ ማእኸል ስሕበት ቃልሲ እንታይ እዩ ዝኾን ዘሎ ማለት እዩ? እቲ ቀንዲ ዓለማዊ ጎንፂ ኣብ መንጎ ዝድህሰስን ዘይድህሰስን ሃፍቲ (tangible & intangible assets) እዩ ዝኾን ዘሎ። ዓለምለኻዊ ስርዓት ርእሰማልነት ዓንዲ ህልውንኡ ዝምርኮስ ኣብ ዝተማእኸለ ዓለምለኻዊ ፋይናንስ እዩ። ካብ ነብሲ ወከፍ ውልቀሰብን ገዛን ሃፍቲ ዝምጥምጠሉ ኣግባብ ከዓ በዞም ፋይናንስያዊ (ገንዘባዊ) ትካላትን ስርዓት ልቃሕ (national loan & credit card) ምኳኑ ዘይርዳእ ዘሎ ኣይመስለንን። ነዚ ዓለማዊ ተማእኸለ ገንዘባዊ ስርዓት ኣብ ቀፃሊ ፈተና ዘእተወ ገንዘብ ናብ ዘይተማእኸለን ናብ ኩሉ ህዝብን ዝብትን ዘይድህሰስ ገንዘባዊ ስርዓት (crypto currency) ኮይኑ ምምፅኡ እቲ ሓደ ዓውዲ ጥምጥም ኮይኑ ኣሎ። እቲ ቐዳማይ እናተሸርሸረ እቲ ዘይድህሰስ ፋይናንስ ድማ እናበረኸ ይኸድ ኣሎ። እቲ ካልእ ኣብነታዊ ዓውዲ ጥምጥም ድማ ዳርጋ ኩሎም ዓለምለኻውያን ትካላት (transnational corporations) መኣዝን ሃፍቶም ገይሮሞ ዝፀንሑ ተኣሳሰሩ ንዮ ዶብ ግልጋሎት ውሃብቲ ትካላት (global chain stores) እዮም ኔሮም ሕዚ’ውን ኣለዉ። እዚኦም ከልከልቲ ቢሮክራሲያዊ ሕግታት ብምትካል ዝሕለዉን ኣዚዩ ገዚፍ ናይ ሪልስቴት ዓለም ብምህናፅ ንዓለም ኣብ ትሕቲ ከብዲ ኢዶም ዝጨበጡን እዮም። ሕዚ ምስ መወልቶምን መንደቖምን ካብ ፀወታ ወፃኢ ዝገብር ንነብሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ገዝኡን ኣብ ስርሑን ብቐጥታ መማረፂ ዘቕርብ ናይ ድጅታል ቴክኖሎጂ ዓለም ከም ቀንዲ መዋስኢ ዓውዲ ኮይኑ ይጋፋሕ ኣሎ። እዚ ድማ ካልእ ብዙሕ መፍረያይ ብቐጥታ ክዋሳእ ዝገብር ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብዙሕ ህዝቢ ሃፍቲ ክፈጥርን ሃፍቲ ካብ ኢድ ዉሑዳት ናብ ብዙሓት ክብተንን ዝገብር ሓዱሽ ዓለማዊ ስርዓት ይኾን ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ብውነ ቀልጢፍካ ኣብ ረብሓኻ ተዘይኣውዒልካዮ ካልኦት ቢልዮነራት ፈጢሩ ክዛዘም ዝኽእል ኣዝዩ ምትዕፅፃፍ ዝሓትት ንኹሉ ብማዕረ ተዘርገሐ ዕድል ጌርካ ምውሳድ ይክኣል። ኣብዚ ጉዳይ እዙይ ካልእ ጎናዊ ሓደጋ ስለዘለዎ ብዙሕ ክብል ኣይደልን ግን እቲ ዓለማዊ ኩነታት ብኸምዙይ ኣግባብ ተረዲእኻ ኣየናይ ገመድ ክትሕዝን ክትጭብጥን በየናይ መገዲ ክትሓኩርን ከምዘለካ ምርዳእ ኣድላዪ እዩ ክብል እፈቱ። ነቲ ዓለማዊ ፀቕጢ ካብ ፀወታ ወፃኢ (irrelevant) ዝገብር ኣግባብ ኣየናይ እዩ ኢልካ ምርኣይ የድሊ። ዓለም ተማእኸለ ባንኪ ተኸሊኣትካስ ዘይተማእኸለን ዘይድህሰስን ባንኪ ምጥቃም ከም ማለት እዩ። ነዚ ኣለልዩ ስትራቴጂ ዝሕንፅፅ መሪሕነት እዩ ኣማቲ ስትራቴጂክ መሪሕነት ንብሎ ካብ መንፅር ዓለማዊ ኩነታት። ሃገራውን ብሄራውን ኩንታት ዝምልከት ድማ ኣብ ቀፃላይ ክፋል ተፀበዩና…..
ትግራይ ትስዕር

Leave a Reply