By Abay Gidey
ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምፅናት ወፍሪ 500 መአልታት አቑፂሩ አሎ:: ነዚ በዲህኻ ንምውፃእ መንዩ ተሓታቲ? መንዩ ከሳሲ መን ተኸሳሲ?
ብዓይነቱን መጠኑን አብ ዓለምና ካብዝተርአዩ ናይ ጆኖሳይድ ፍፃመታት ዝኸበደን መግለፂ ዝተስአኖን ጥፍአት ይበፅሕ አሎ : ነዚ ንምብዳህ ድማ ሰራዊት ትግራይን ደጀን ህዝብና ብዝከአሎ ኹሉ ይቃለስ አሎ::
አብ ዳያስፖራ ዘለና ተጋሩን ውሑዳት ፈተውቲ ህዝብናንውን ዝተወሰነ ስራሕቲ ወጊና አለና: እንተኾነ ግና ምስቲ ዝበፅሕ ዘሎ ፀገምን እንገብሮ ዘለና ፃዕርን አይተመጣጠነን::
ነዚ ከምዚ ዝበለ ዘይሓልፍ ዝመስል ናይ ቃልሲ መደረኽ ብዓወት ንምዝዛም: ቅድም ቀዳድም አቕምኻን ብፅሒትካን ምፍላጥን ምልላይን ይሓትት::
ክሳእ ሕዚ ብዘለኒ ትዕዝብቲ ገለ ውሑዳት ውልቀሰባት ነቲ ቃልሲ ዝሕግዙ መሲሎም ንውልቀ ተፈላጥነት ዝያዳ ዝግደሱ ይመስለኒ:: አብ ወሰንቲ ክትዓትን መድረኻትን ፍሉያት ጠበቓታት ህዝቢ መሲሎም ምስቀረቡ እቲ ህዝቢ ይአምኖምን ይኽተሎምንሞ ፅንሕ ኢሎም ናብታ ህዝበኛ (populist) ባህርዮም ይምለሱ: ህዝቢ የደናግሩ::
አብ ከምዚ ዝበለ ዘጭንቕ እዋን ዝያድ ዘጭንቕን ዘጠራጥርን አጀንዳታት እናመዘዙ ብሚዲያን ብፅሑፍን ይዝርግሑ::
እዚ ከምዚ ዝበለ ፈተናታት ክንብድሆ እንኽእል ቅድሚ ኹሉ ዓቕምናን ስራሕን ብምፍላጥ እዩ::
- አብ ትግራይ ዘሎ ዕፅዋ ክኽፈት ዝኽእል ብወታደራዊ መዳይ ጥራሕ እንተኾይኑ ነቶም ሙኩራት መራሕትን ተጋደልትን ንገድፈሎም፤ አብታ ባይታ ዘሎ ፀላኢ ዓቕሙን አቀማምጥኡን ብድሕሪኡ ክመፅእ ዝኽእል ሓጋዝን መላፍንትን ምምዛን ዝከአል በቶም ወታደራዊ ስለያታት አቢልካ እትረኽቦ ሓበሬታ ምስ ዘለካ ዓቕሚን ተኽእሎን ገምጊምካ ፤ መደብ አውፂእካ ፤ ንዑኡ ዝኸውን ስልጠናን ሎጂስቲክስ አዋዲድካ ክትወፍር ዘኽእል ምድላው ትገብር ፤ እዚ ናትና ስራሕ አይኮንነ አይምልከተናን::
- ነዚ ውታደራዊ ምድላው ምስ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ኩነታት ክዋደድ ድማ ምስ መንግስትን ውድብን ዘተን ምርድዳእን የድሊ ይመስለኒ:: ስለዚ ወታደራዊ ምድላው ጥራሕ እኹል አይኮነን ማለት እዩ: ነዚውን ነቲ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስትን መማኽርቱን ዝምልከት ይኸውን ::
- ነዚ ውታደራዊን ዲፕሎምሲያውን ስራሕቲ ምስተገምገመ ደጀን ህዝብኻ ናይ ምልዕዓል ስራሕቲ የድሊ፤ አብቲ ህዝባዊ ኹናት ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዝለዓለ ትርጉም ስለዘለዎ: ካብ ስንቂ ምቕባል ክሳዕ ጉድአት ኳናት ምሕብሓብ ዘሎ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ዝተዋደደ ናይ ህዝቢ ምንቅስቃስ የድሊ : እዚ ነቲ መንግስቲ ዝመርሖ አብ ውሽጢ አዲ ዘሎ ህዝቢ ዝምልከት ይኸውን::
- አብ ዳያስፖራ ዘለና ተጋሩ ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕትና ዝምልከቱ ከም አብ ሰላማዊ ሰልፊ ፤ ወፍሪ ትዊትን ፐትሽንን ንነጥፍ:: ናይ ገንዘብን ማቴርያልን ሓገዛት ነተአኻኽብ፤ ካብ መንግስቲ ትግራይን ተወከልቱን ብዝወሃበና አንፈት ምስ ውሽጢ አዲ ዝተሳነየ ስራሕቲ ንዓምም::
አብዘን ዝተጠቐሳ ሓፈሻዊ ነጥብታት ብዙሕ ዝርዝር አለወን ፤ አብ ሚዲያ ወይ ሶሽል ሚዲያ ዝነጥፍ ፤ ውዳበታት ዝመርሕ፤ በዓል ሙያ ፤ ኹሉ ዳኛ ተይኮነስ ከም ወታደር ወይ ከም ተጋዳላይ ተጠርኒፉ አብታ መኸተ ጥራሕ ሰጥ ኢሉ ይጋደል:
ዕፅዋ ዝኽፈት ንሕና ብዝተፀበናያ መዓልትን ሰዓትን ተይኮነስ እቶም ጀጋኑ ብዝጥዕሞምን ፀላኢ ብዘይሓሰቦን እዩ ዝኸውን::
አብ መደረኽ እናውፃእና ካብቶ ግንባሮም ዝሃቡ ዘለው ተጋደልትን መራሕቲ ንላዕሊ ንህዝቢ ዝሓለና መሲልና “እዚ ዘይገበሩ ህዝብና ስቕ ኢሊም የውድእዎ አለው” እናእልካ ምኽሳስ ነውሪ ይመስለኒ::
ፀላእትና ካብ ሰብነት ናብ አራዊትነት ስለተቐየሩ ፀላእትና ዝገብርዎ ክድገመሎም ዝደልዩ ገለ ሰባት እውን አፎም ከፊቶም ክፃረፉ ንሰምዕ አለና: እዚውን ዓገብ እዩ:: ንሕና ከምባዕልና እምበር ከምጎረቤትና አይንኸውንን::
ሓንቲ petition ንምፍራም እናኸበደና ነቲ አብ ዓዲ አብክሊ ዕፅዋ ዘሎ አመራርሓን ህዝብን እንታይ ክገብር ኢና እንፅበ ዘለና?
ስለዚ ኩልና መራሕቲ ኩልና ተመራሕቲ እንኾነሉ ጊዜ ሎሚ እዩ:: እዚ ማለት ህልውና ህዝብና ውሕስና ክሳዕ ዝረክብ መንግስትናን ወኪላት መንግስትናን እናተመራና ንዓምም/ንሰርሕ:: ናይ ዴሞክራሲ ሕቶታትናን ዳግመ ህንፀትናን ዝምልከቱ ምድላዋትና ምስቲ መኸተ እንተየውቕዕና ጎኒ ንጎኒ ብውሕሉል አካይዳን ከም ሓደ ሰብ ተናቢብናን እንሰርሓሉ እዋን ሕዚ እዩ::
ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ዜና ዓዋት ቅልቅል ምስበለት መሊስና ከይንዘናጋዕ አብ ፀበባ ይኹን ዓወት ኩሉ ብልክዑ ክንከዶ ይግባእ:: ሓድነት ማለት ምክእአል እምበር ምድፍፋር አይኮነን፤ ሓቢርካ ምስራሕ እምበር ምክሳስ አይኮነን፤ ሓድነት ማለት እንተነአሰ ሓደ ናይ ሓባር ዕላማ ምሕንጋጥ ማለት እዩ፤ ሓድነት ናይ ውሽጥኻን ናይ ደገን ፈሊኻ ምፍላጥን ነቃዕ ከይፍጠር ምትሕልላይ ማለት እዩ፤ አነ አነ ንምትሕግጋዝ እምበር ንምንሕናሕ አይኮነን፤ ሓድነት አብ እዋን ፀበባ ድማ ዝያዳ ምትሕልላይ፤ ምትሕግጋዝ፤ ምትሕዝዛን፤ ዘለካ ተማቂልካ ምብላዕ ማለት እዩ፡ ህዝቢ ትግራይ እዚአ እዩ ዝገብር ዘሎ። ንሕናውን ብዝሰራሕናዩ ውሱን ስራሕቲ ከይተዓበና ብምክእኣል ነዚ ዝፅበየና ዘሎ ከቢድ ሸከም ዝፀውር ማእገር ክህልወና ንግበር።
ጅግና ሰራዊትናን ህዝብናን ዕፅዋ ክሰብር እዩ ንሕና እንታይ ነቐብል? ዝብል ሕቶ እናልዓልና ንመርሽ!
ትግራይ ብቕልፅማ ትዕወት አላ!
Leave a Reply